
ድሕሪ እቲ ዘይቅዱስ ርክብ ኢሰያስን ኣብን ፥ ቅድሚ ክልተ ዓመትን ፈረቃን ጥሪት ኢሰያስ ኣብ ናይ ሲይትል ፓርክ ናይ ምድማር ጽምብል ኣካይዶም ነይሮም ፥፥ እቶም ነዚ ዘይቅዱስ ምሕዝነት ብአግኡ ዝተረድኡ ደለይቲ ፍትሒ ሲይትል ብውልቅን ብጉጅለን ነቲ ዉዲታቶም ሳዕቤታቶም ንምቅልሑ ድኻሞም ከይጸብጸቡ ከይተሓለሉ ጽዒሮምን ሰሪሖምን :: ዘካየድዎ ጎስጋስት ንምጥቃስ ዝአክል ኣብቲ ናይ ምድማሮም ዳንኬራ ነዚ ኣብዚ ጠቢቁ ዝርከብ ናይ መምሃርን ዘጠንቅቅ ጽሑፋት ንነፍሲ ወከፍ ተሰታፋይ ከም ዝበጽሖ ገይሮም ፥፥ ዕላምኡ ድማ ሕቃኛ ስእሊ ኢሰያስ ንኢትዮፕያውያን ንጥሪት ኢሰያስ ክአ ሳዕቤኑ ዝሕብር እዩ ነይሩ :: ትሕዝቶ ናይቲ ሽዑ (ናይ ዘመነ ድመራ)ጽሑፋት ክአ ከምዚ ዝብል ይርከብዎ
- እቲ ናይ ዘመንና ዝዓበየ ምትላል
- ካብ ኣስመራ ክሳብ ጄኔቫ ካብ : መልበርን ክሳብ ሲያትል ዋሺንግተንን :ኣብ መላእ ዓለምን ዝርከቡ ኤርትራውያን ምስ ዘይሕጋዊ ሰብ:ዝግበር ውዕል ውዱቅ ኢዩ ኢሎም!
- ፕረዚደንት ኢሰያስ የቀን እና የሌት ኣውሬ እንጂ የሰላም መልእክተኛ ሊሆኑ ኣይችሉም !!!
- ኣባይና ቡና የኢትዮጵያ ፣ ምጽዋና ኣሰብ የኤርትራ ኩራቶች! (መልእኽቲ ንኢትዮጵያዉያን)
እቶም ዝርካቦም ውሑዳት ሰብ ሕልና ካብ ውሽጢ ሃገር ብመንገዲ ተለቭዥን ኤርትራ ደም ነሕዋቶም ይምሕጸኑ እምበርዶ ናህና እዮም ::
ከም ከማይ ፤ ትዕዝብተይ ፤ ትዕዝብቲ እዞም ሰባት እዚኦም እንተኾይኑ ሰብ ዕላማ እዮም ከም ንዕዞቦ ዘለና ፤ ሱሮም ነዊሕ እዩ :: ሰባብ ግን ክአ ጉልባቡ ዝቀልዐ ንዕቐት ፤ ዓመጽ፤ ጭካነን ፤በደልን እዩ ዘሎ ፍርያትና ወይ ጻማ እቲ መሪር ፍረ ቃልስና :: ንሕናኸ ንዕኡ ዝምጥን ዝተራቐቐ ጥበብ ንውንንዶ ኣለና ?